minuttest

እዚ ብአችኣይቪ ዝተጸለዉን መርመራ አችኣይቪ ክገብሩ ዝደልዩን ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ እዩ: ኦስሎ – ትሮንድሀይም – በርገን – ሃውገሱንድ

እዚ ብአችኣይቪ ዝተጸለዉን መርመራ አችኣይቪ ክገብሩ ዝደልዩን ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ እዩ:

ኦስሎትሮንድሀይምበርገን 

አችኣይቪ እንታይ እዩ?

አችኣይቪ ኣሕጾረተ ቃላት  human immunodeficiency viruses እዩ።  እዚ ሕማም ኮይኑ ብስጋዊ ርክብ፡ ኣደ ብሕርሲ ንዕሸላ፡ ብጸባ ጡብ ኣደ ምጥባብ ወይ ካልእ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ደም ብምትሕልላፍ ክመሓላለፍ ይኽእል። ደቅኣንስትዮን ደቅተባዕትዮን ክልቲኦም ጾታታት አችኣይቪ ክሕዞም ይኽእል እዩ፡ ከምኡውን ወድ ምንታይ ሃገር ምዃንካን ምስ መን ስጋዊ ርክብ ትፍጽምን ብዘየገድስ እዚ ሕማም ክሕዘካ ይኽእል እዩ። ብዘይ ኣፋውስ ብርቱዕ ሕማም ብምሕማም ክትመውት ትኽእል ኢኻ።  ኣብ ኖርወይ ኩላቶም አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ኣፋውስ ብነጻ እዩ ዝወሃቦም። ኣፋውስ ክትወስድ ከለኻ ጥዕናኻ ምሉእ ኮይኑ ንቡር ሂወት ክትነብር ትኽእል፡ ከምኡውን ንካልኦት ሰባት አችኣይቪ ከተመሓላልፈሎም ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓታቲ ዑቕባ እንተደኣ ኮይንካ አችኣይቪ ይሃልውካ ኣይሃልውካ ንጉዳይካ ዝኾነ ጽልዋ ኣየሕድረሉን እዩ። አችኣይቭን አይድስን ሓደ ኣይኮነን። አችኣይቪ ክበሃል ከሎ ኣፋውስ ክሳብ ዝወሰድካ ንቡር ሂወት ክትነብረሉ ዘኽእል ሕማም እዩ። አይድስ ግን አችኣይቪ ሃልዩካ ኣፋውስ ብዘይምውሳድካ ክሕዘካ ዝኽእል ሕማም እዩ። ኣፋውስ እንተዘይወሲድካ አይድስ ኣብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም እዩ። 


አችኣይቪ ብኸመይ ይመሓላለፍ?

  • ምስ አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ብዘይ ኮንዶም ስጋዊ ርክብ እንተደኣ ፈጺምካ አችኣይቪ ክመሓላለፈካ ይኽእል እዩ። 
  • አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ዝተጠቐመሉ መርፍእ እንተደኣ ተጠቒምካ አችኣይቪ ክመሓላለፈካ ይኽእል እዩ። 
  • ጥንስቲ ኣደ አችኣይቪ እንተደኣ ሃልዩዋ እሞ ኸኣ መዓልታዊ ፈውሲ አችኣይቪ ዘይትወስድ እንተኮይና፡ ውላዳ አችኣይቪ ክልከፍ ተኽእሎታት ኣሎ። 
  • ኣብ ገሊኦም ሃገራት ደም ብምትሕልላፍ ክሓልፍ ይኽእል እዩ(ኣብ ኖርወይ ግን ከምኡ ኣይኮነን) 


አችኣይቪ ዘይመሓላለፈሎም መገድታት እንታይ ይመስሉ?

  • እቲ አችኣይቪፖዘቲቭ ዝኾነ ሰብ ኣፋውሱ መዓልታዊ ዝወስድ እንተኾይኑ፡ እሞ ኸኣ እቶም ኣፋውስ ጽቡቕ እንተሰሪሖምሉ፡ንካልእ ሰብ ከመሓላልፍ ኣይክእልን እዩ። 
  • አችኣይቪብጡፍጣፍ፡ንብዓትወይሽንቲማይኣይመሓላለፍንእዩ። 
  • ምስ ካልኦት ሰባት ብሓደ ብምዃን ወይ ምስ ጎረባብቲ፡መሓዙት ኣዝማድ ንቡር ርክባት ብምክያድ አችኣይቪ ኣይሕዘካን እዩ። 
  • መግቢ፡ዝስተ ወይ መሕጸቢ ነፍሲ ብሓባር ብምክፋል ወይ ምጥቃም ውን አችኣይቪ ኣየመሓላልፈልካን እዩ። 
  • ንካልኦት ሰባት ምስዓም ወይ ምትንካፍ አችኣይቪ ኣየመሓላልፈልካን እዩ። 
  • እንስሳታት አችኣይቪ ከመሓላልፉልካ ኣይክእሉን እዮም፡ ንኣብነት ጣንጡ። 
  • PrEP ዝበሃል ፈውሲ አችኣይቪ ንኸይሕዘካ ዝከላኸለልካ ፈውሲ እዩ። አችኣይቪ ክመሓላለፍ ልዑል ተኽእሎታት ዘለዎ ዓይነት ስጋዊ ርክብ ትፍጽም እንተኾይንካ ሓኪምካ እዚ ፈውሲ ክህበካ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ተወከሰና ኢኻ። 

አችኣይቪ ኣለካ ድዩ የብልካን ንምፍላጥ ብኸመይ ኢኻ ትምርመር?

  • አችኣይቪ መብዛሕትኡ ግዜ ዝኾነ ምልክታት የብሉን። 
  • አችኣይቪ ኣለካ ድዩ የብልካን ክትፈልጠሉ ትኽእል እንኮ ኣገባብ ደም መርመራ ብምግባር እዩ። 
  • ኣብ እንዳ ቀዋሚ ሓኪም ወይ መመርመሪ ክሊኒክ ደም መርመራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ውጽኢት ድሕሪ ኣስታት ሓደ ሰሙን ይመጻካ። 
  • ቅልጡፍ ናይ ሓደ ደቒቕ መርመራ አችኣይቪ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ንኣብነት ኣብ ቦታና ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ-minuttest.no- ብነጻ እዩ፡ መንነትካ ብምስጢር ይዕቀበልካ፡ ውጽኢት ውን ብቐጥታ ይንገረካ። 

www.minuttest.no

እዚ ናይ ሓደ ደቒቕ መርመራ (Minutt-testen) ዝበሃል ቅልጡፍ መርመራ ኣብ ዝተፈላለዩ ማእከላት Kirkens Bymisjon ብነጻ ክግበረልካ ይኽእል እዩ። ውጽኢት መርመራ ከኣ ብቐጥታ እዩ ዝንገረካ   

መንነትካ ምስጢራዊ እዩ
እዚ ናይ ሓደ ደቒቕ ዝበሃል ቅልጡፍ መርመራ ክትምርመሮ ከለኻ ስምካን መንበሪ ቦታኻን ምሕባር ኣየድልየካን እዩ። ኣባና ዝምርመሩ ሰባት ብዛዕብኦም ዝኾነ ሓበሬታ ኣይንሕዝን ኢና። 

ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ
ኣብዚ ዝሰርሑ  ሰባት ብዛዕባኻ፡መርመራኻ ወይ ንካልኦት ዘካፈልካዮም ሓበሬታ ክዛረበሉ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ንዓና ኣገዳስን ዕቱብን እዩ። 

ብነጻ
ምሳና ምዝርራብ ወይ መርመራ አችኣይቪ ምግባር ዝኾነ ገንዘብ ኣይትኸፍለሉን ኢኻ። 

ቅልጡፍ መርመራ
እዚ መርመራ ክትምርመር ከለኻ ኣብ ኣጻብዕኻ ኢኻ ትውጋእ፡ ውጽኢቱ ድማ ብቐጥታ ይንገረካ። 


መዓስ እየ ክምርመር ዝኽእል?

አችኣይቪ ተለኺፈ ክኸውን ይኽእል እየ ዝብል ጥርጣረ እንተሃልዩካ ንዓና ብዝቐልጠፈ ክትውከሰና እዩ እቲ ዝሓሸ። እዚ ሕማም ተለኺፈ ክኸውን ይኽእል እየ ኢልካ ትጥርጥሮ መዓልቲ 12 ሳምንታት ምስ ገበረ ውጽኢት ናይዚ መርመራ ልክዕነቱ 99.6 % እዩ፡ እንተኾነ ግና እቲ አችኣይቪ ሒዙኒ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልካ ትጥርጥሮ መዓልቲ ድሮ 3 ሳምንታት ምስ ኣሕለፈ ተመርሚርካ ውጽኢት ክንገረካ ይኽእል እዩ። አችኣይቪ ሒዙኒ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ እንተደኣ ሃልዩካ መርመራ ምውሳድን ምስ ሰብ ክትዛረበሉን ዝሓሸ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ስለዚ ዋላ 12 ሳምንታት ከይሓለፈ ቅድሚኡ ክትመጽእ ዝሓሸ እዩ።

ተለኺፈሉ ክኸውን ይኽእል እየ ትብለሉ ግዜ 48 ሰዓታት ዘየሕለፈ እንተደኣ ኮይኑ ክወሃበካ ዝኽእል ፈውሲ ኣሎ። ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሕክምና ህጹጽ ረድኤት(legevakt) እዮም እዚ ክህቡኻ ዝኽእሉ። አችኣይቪ ክትልከፍ ልዑል ተኽእሎታት ዘለዎ ኩነታት ንነፍስኻ ኣቃሊዕካያ እንተደኣ ኮይንካ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ህጹጽ ረድኤት ሕክምና ብዝቐልጠፈ ክትድውለሎም እዩ ምኽርና። 


ውጽኢት መርመራ አችኣይቪ ኣለካ ዝብል እንተኾይኑ እንታይ እየ ዝገብር?

Kirkens Bymisjon ምስ ኣብ ከባቢና ዝርከባ ንፉዓት ሞየኛታት ዝሰርሑለን ሆስፒታላት ንተሓባበር ስለዝኾንና ኣብቲ ሆስፒታል ብዝቐልጠፈ ቆጸራ ክተሓዘልካ እዩ። ብነጻ ኣፋውስ ክወሃበካ እዩ። ከም ተወሳኺ Kirkens Bymisjon ንአችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ብዝሕ ዝበሉ ክጥቀሙሎም ዝኽእሉ ዕድላት ኣለዉና። 

ምስ አችኣይቪ ምንባር ከመይ ይመስል?

  • ሎሚ አችኣይቪ ምሳኻ ምሉእ ሂወትካ ዝጸንሕ ሕዱር ሕማም እዩ ኢልና ኢና ንገልጾ። 
  • ነቲ ሕማም ዝኣልዮ ፈውሲ ወይ ኣገባብ የለን፡እንተኾነ ግና ሓሚምካ ንኸይትመውት ዝከላኸሉ ጽቡቓት ኣፋውስ ኣሎዉ። 
  • ኣብ ኖርወይ ኩሉ አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ብነጻ ኣፋውስ ክወሃቦ ይኽእል እዩ። 
  • ምሉእ ሂወትካ መዓልታዊ ኣፋውስ ክትወስድ ኣለካ። 
  • ጽቡቕ ዝሰርሑልካ ኣፋውስ ክትወስድ ከለኻ ንካልኦት ከተመሓላልፍ ኣይትኽእልን ኢኻ። 
  • ጽቡቕ ዝሰርሑልካ ኣፋውስ ክትወስድ ከለኻ መዛምድትኻ ከይተለኽፈ ብንቡር ኣገባብ ቆልዑ ምውላድ ይከኣል እዩ። 
  • እዚ ማለት ማዕረ እቶም አችኣይቪ ዘይብሎም ነዊሕን ጽቡቕን ሂወት ከተሕልፍ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ዓርኪ ምሓዝን ምውላድን፡ ኣብ ስራሕ ዓለም ምውፋር፡ ንቡርን ጽቡቕን ዝኾነ ሂወት ምንባር ይከኣል እዩ። 
  • ኣብ ኖርወይ ኣስታት 4000 ሰባት ኣለዉ አችኣይቪ ዘለዎም። ስለዚ አችኣይቪ እንተደኣ ሒዙካ በይንኻ ኣይኮንካን ማለት እዩ። ዝኾነ ሰብ እዩ አችኣይቪ ክሕዞ ዝኽእል፡ ወድተባዕታይ ይኹን ጓልኣንስተይቲ፡ ሃገርካን ምሳኻ ስጋዊ ርክብ ዝፈጸመ ሰብን መን ምዃኑ ብዘየገድስ። 
  • Kirkens Bymisjon ኣብ ሃገር ብምሉኡ ንአችኣይቪ ዝሓዞም ሰባት ብዙሕ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ዕድላት ኣሎዎ፡ ዋላ እኳ ኣፋውስ ጽቡቓት እንተኾኑ ጌና ሕጂ ውን አችኣይቪ ሂወቶም ዘካብደሎም ሰባት ከምዘለዉ ንፈልጥ ኢና:
  • እቶም አችኣይቪ ዘለዎም ወይ ብአችኣይቪ ዝተተንከፉ ሰባት ከነዘራርቦም ዕድል ንኸፍተሎም ኢና። 
  • ንአችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ምልከት ሂወት ኣስተምህሮ ይወሃቦም። 
  • ምስ ካልኦት አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ምርኻብ።

ናይ Kirkens Bymisjon ምስ አችኣይቪ ምትሕሓዝ ዘለዎ ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ:

ኦስሎ:

  • ቅልጡፍ መርመራ አችኣይቪብነጻ፡ መንነትካ ምስጢራዊ ኮይኑ ውጽኢት ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ይንገረካ።
  • ሓበሬታ ብዛዕባ አችኣይቪ፡ዝርርብን ምኽርን ማዕዳን።
  • ኣስተምህሮ ንአችኣይቪ ዘለዎም ወጻእተኛታት፡ዓበይትን ንኣሽቱን።
  • ምስ ካልኦት አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ምርኻብ።
  • አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ክሓድሩሉ ዝኽእሉ ቦታታት።

  

Aksept Oslo/ Minuttest Oslo

ኣድራሻ: Hammersborg torg 3

ተለፎን: 23 12 18 20

ኢመይል: firmapost.aksept@bymisjon.no

ኣተርጓሚ ዘድልየካ እንተኾይኑ ንምድዋል ንገሊኦም ሓግዙኒ ብምባል ኣተርጓሚ የድልየኒ ኣሎ ኢልካ ትሕብረና እሞ ሽዑ ንሕና ባዕልና ብተለፎን ዘቶርጉም ኣተርጓሚ ክንጠልበልካ ንኽእል ኢና። 

ትሮንድሀይም:

  • ቅልጡፍ መርመራ አችኣይቪብነጻ፡ መንነትካ ምስጢራዊ ኮይኑ ውጽኢት ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ይንገረካ።
  • ሓበሬታ ብዛዕባ አችኣይቪ፡ዝርርብን ምኽርን ማዕዳን።
  • ምስ ካልኦት አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ምርኻብ።

Minuttest Trondheim/ Aksept Trondheim

ኣድራሻ: Bergljotsgate 4b, 7030 Trondheim

ተለፎን: 47 47 33 05

ኢመይልhealth@bymisjon.no

ኣተርጓሚ ዘድልየካ እንተኾይኑ ንምድዋል ንገሊኦም ሓግዙኒ ብምባል ኣተርጓሚ የድልየኒ ኣሎ ኢልካ ትሕብረና እሞ ሽዑ ንሕና ባዕልና ብተለፎን ዘቶርጉም ኣተርጓሚ ክንጠልበልካ ንኽእል ኢና። 

በርገን:

  • ቅልጡፍ መርመራ አችኣይቪብነጻ፡ መንነትካ ምስጢራዊ ኮይኑ ውጽኢት ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ይንገረካ።
  • ሓበሬታ ብዛዕባ አችኣይቪ፡ዝርርብን ምኽርን ማዕዳን።
  • ምስ ካልኦት አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ምርኻብ።

Minuttest Bergen/ Aksept Bergen

ኣድራሻ: Kong Oscars gate 62

ተለፎን: 971 11 876

ኢመይል: bergen@minuttest.no

ኣተርጓሚ ዘድልየካ እንተኾይኑ ንምድዋል ንገሊኦም ሓግዙኒ ብምባል ኣተርጓሚ የድልየኒ ኣሎ ኢልካ ትሕብረና እሞ ሽዑ ንሕና ባዕልና ብተለፎን ዘቶርጉም ኣተርጓሚ ክንጠልበልካ ንኽእል ኢና።

 

ኣብዚ ብዛዕባ አችኣይቪ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ ከተንብቦ ትኽእል: